Signed in as:
filler@godaddy.com
Signed in as:
filler@godaddy.com
ምልክታት autism spectrum
*ኣብ ዝኾነ ዕድመ ምስ ኣካላት ኣቑሑ ወይ መጻወትታት ኣመና እዋናት ምሕላፍ*
ምልክታት Autism ኣብ ዓበይቲ ቆልዑ
እቲ ቆልዓ ብዕድመ እንዳወሰኽ ክኽይድ ከሎ እቶም ምልክታት ናይ ኣውትዚም እንዳተፈላለዩ ይኸዱ. ብዙሓት መጠንቀቕታን ምልክታትን እኳ እንተሃለዉ
ኣብ ዝኾነ ዕድመ ጉድለት ናይ ምዝራብ፣ ናይ ምኩልታፍ ወይ ድማ ናይ ማሕበራዊ ተኽእሎታት፡ ዘይታዓጻጻፍ ጠባይ ትርእየሉ።
autism spectrum
1. እቲ ፈላሚ ስጉምቲ ናይ ኣውትዚም ግዜ ከይወሰድካ ምጽረያ ምክያድ እዩ።
2. ቅጥዒ መጻረዪ ኣውትዚም መሊእኩም ምስ ዶክተር ናይቲ ቆልዓ ኮይንኩም ተንትንዎ።
3. ብዛዕባ ምእዛዝ ሕክምና ሹዑንሹዑ ጀምሩ፡ውላድኩም ዋላ'ኻ ንቡር መርመራ እንተዘይኮነ ናጻ ገምጋም ክረክብ ይኽእል እዩ።
ውላድኩም ትሕቲ 3 ዓመት እንተኮይኑ፡ ናይ ኣካባብያዊ ሓገዝ ክረክብ ይኽእዩ። ካብ ህጻንነቱ ክሳብ 3 ዓመት .
ቅልጡፍ ምትእትታው ሓገዝ ወይ ( autism Early Intervention ) ሽዓ ምእዛዝ፡
ኣብዚ ግዜ እዚ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፍወሳ ኣውትዝም autism ኣሎ።
ኣብዚ ህልዉ እዋን እቶም ዝያዳ ኣድማዕቲ ናይ ኣውትዚም ፍወሳ እቶም ኣብ ናይ ባህሪ ለውጢ ዘትኩሩ እዮም። ንኣብነት ABA ዝተባህለ ዓይነት ተራፕይ.
ኣብዚ እዋን እዚ ኣድማዒ ዝኾነ መድሃኒታዊ ፍወሳ ናይ ምልክታት ኣውትዚም ክሳብ ሕጂ የለን።
ብሕክምናዊ ኣረኣእያ እንድሕር ሪእናዮ ኣውትዚም ናይ ምሉእ ዕምሪ ስንክልና እዩ፡፡ ኣውትዚም ዘለዎም ስባት ጽግዕተኛ ኮይኖም ክነብሩ ኢሉ ይድምድም።
ኣውቲዚም ዘለዎም ሰባት ኩሉ ግዜ ዘይኮነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መላእ ህይወቶም ገለ ናይ ምትብባዕ መልክዕ ዘለዎ ደገፍ ወይ ጻዕርታት ዘድልዮም ምዃኖም ይገልጽ።
ጻዕርታት ብኣጋ
ኣውትዚም ብዝተኽኣለ መጠን ኣቀዲሙ ክልለ ኣገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ ገለ መጽናዕቲ ከምዘመልክትዎ፡ ብኣጋ ጻዕሪ እንተድኣ ኣቐዲሙ ተኣታትዮ ዝያዳ ውጽኢት ኣለዎ።
ስፕሻልስት ናይ biomedical Intervention and detoxification ምውካስ።
ኣብ ከባብኹም ዘለዉ ዶክተራት ኣብዚ epidemicanswers.org ኣቲኹም ኪትረኽብዎም ትኽእሉ። ንሳቶም ነቲ ብፍሉይ ተጠቒዑ ዘሎ ክፋሊ ኣካል ናይቶም ቆልዑት ኣለልዮም ምስኡ ዝሰማማዕ መምርሒ ( autism protocol) ክሕብርኹም ይኽእሉ አዮም፣፡
autism spectrum
ኣመጋግባ ደቅና ናብ ጉሉተን ፍሪ ዴረ ፍሪ መግቢ ምቅያር
-ብዝተኻኣለ ኦርጋኒክ ኣብ ገዛና ዝተሰርሓ
ዘይተዓሸገ መግቢ ምምጋብ
-ስገም፡ ስርናይ፡ ፊኖ ጉሉተን ስለ ዘለዎም ብ ጣፍ፡ መሸላ፡ ዳጉሻ፡ ሩዝ፡ ሰዓዕ፡ ኪንዎ ምትካእ።
*ኩሎም ፍሩታታትን ኣሕምልቲን፡ ዓተርን ባልዶንጋን፡ ብርስን፡ ቀይሕ ስጋ፡ ስጋ ዶርሆ፡ ስጋ ዓሳ. ጉሉተን ፍሪ ዴሪ ፍሪ እዮም።
-ጸባ ከብቲ ብኣትክልቲ ዝተሰርሓ ጸባ ክም በዓል ኮኮናት፡ ኣልመንድ፡ ጸባ ሰዓዕ ንተክኣዮም
-ካብ ጸባ ከብቲ ፡ ጸባ ግመል ምጥቃም
-ብዝተኻእለ -መረቅ ዓጽሚን ኣንጉዕን ምዝውታር
-ዝቦቆለ መግብታት ከም በዓ ብሮክሊ፡ ዓተር፡ ብርስንን ምዝውታር
-ጻዕዳ ሽኮር ገዲፍካ ኦርጋኒክ መዓሪ ምጥቃም
ምንቅስቃስን ጹሩይ ኣየርን
-ደቅና ብዝተኻእለ 30 ደቂቅ ኣብ መዓልቲ ኣብ ደገ ከነጻውቶም ይግበኣና፡
ኣብ ሓመድ ጥራይ እግሮም ክዛወሩን ክጻወቱን፡ ኣብ ጥቃ ገረብ ወይ ኣትክልቲ ክጻወቱ ምግባር ።
-ኣብ ገዛ ውን መዓልታዊ ምዱብ 30-60 ደቂቅ ግዜና ክንህቦም ይግበኣና።
-ሙዚቃን ምስዕሳዕን ኣብ ደቅና ምትብባዕ
-ብዝተኻእለ ካብ ቴለፎን ፡ ቲቪን ኣይፓድን Wifi ኣልጊስና ኣብ ንኣምርኦም ዘማዕብል ንጥፈታት ምእታው።
-ዓቀን ቪታሚን ዲ D ምቁጽጻር- እኽሉ ጸሓይ ከምዝረኽቡ ምግባር
-እኹል ስቃስ 7-8 ሰዓት መንዝረኽቡ ምሕጋዝ
-ዘይቲ ዓሳ፡ ዘይቲ ኣውሊዕን፡ ፕረባያቲች መዓታዊ ምውሳድ
ንዝያዳ ሓበሪታ ኣብዚ ሊንክ ኣቲኹም ብዛዕባ ኣብዚ ታሕቲ ተጠቂሰን ዘለዎ ፕሮግራም ኣምብቡ።
ህጻን ውላዶም ካብዘን ዝስዕባ ምልክታት ሓድኤን የ(ተ)ርእይ ዶ?
ሸር ንበሎ ስድራቤትን ቆልዑን ክረብሑ-- ሂወት ቆልዑን ስድራቤትን ዝቅይር መልእክቲ እዩ።
ምልክታት ኣውትዝም autism ፡ ኣብ ግረይስ ጓልና ዝርእ ዝነበረ ሕሉፍ ምልክታት፡ እንታይ ክንገብር ኣለና እንድሕር ደቅና ኣውትዝም ኣለዎም ኢልና ጠርጢርና ?
AZ Spectrum Transformation
850 Dogwood Rd. Suite B200 # 2246 Lawrenceville, GA 30044
Copyright © 2021 AZ Spectrum Transformation LLC - All Rights Reserved.
Powered by GoDaddy
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.